ናይ ከባቢ ርክብ አገልግሎት ማእከል Alipi

ናይ ከባቢ ርክብ አገልግሎት ማእከል (Alipi) አብቲ አገልግሎት ዝህቦ ከባቢ ንዝነብሩ ስደተኛታት ብዛዕባ ተሰዲድካ ምንባር ዘድልዮም ምኽርን ሐበሬታን ዝህብ አካል እዩ። እዚ አገልግሎት ንዓማዊልና አየኽፍልን እዩ። አድላይ እንተኾይኑ ቱርጅማን ንጥቀም። አቐዲምካ ቆጸራ እንተትሕዙ ምደለና, ግን ብዘይ ቆጸራውን ጉዳይኩም ከተካይዱ ትኽእሉ። ሪጋኹም ሒዝኩም ተጸበዩ።

አገልግሎት ማእከል ነቶም አብቲ አገልግሎት ዝዋሃቦ ከባቢ ንዝነብሩ ስደተኛታት ኮይኑ፡ ናብዚ ዓዲ ዝመጹሉ ምኽንያትን ግዜን ብዘየገድስ። አገልግሎት ንህበሎም ከባቢታት ፓያት  ሃመ (Päijät-Häme), ፑኪላ (Pukkila), ምርስኩላ (Myrskylä)። 

ብተለፎንን ኢመይልን መልእኽቲ ስደዱ, ወይድማ አገልግሎት ንህበሉ ናይ ንግዲ ማእከል Trio 2 ደርቢ አገልግሎት ቶሪ Aleksanterinkatu 18 ምጹ።

ዝኽፈተሉ ግዜ፡ ሰኑይ ካብ 12-15, ሰሉስ-ዓርቢ ካብ 9-15።

መራኸቢ ሐበሬታ፡
ኢመይል፡ alipi@lahti.fi
ወሃብቲ አገልግሎት, ተለ. 050 539 1604 (ፊኒሽ, ኢንግሊሽ, ራሻ)
ወሃብቲ አገልግሎት, ተለ. 050 539 1649 (ፊኒሽ, ኢንግሊሽ, ስዊድሽ, ጀርመን)
ወሃብቲ አገልግሎት, ተለ. 050 539 1650 (ፊኒሽ, ኢንግሊሽ, ራሻ, ስፐይን)